ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ንምሕይል ፎረም ሰላም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተኻይዱ


በትግራይና አማራ ህዝቦች መካከል ግንኙነት ለማጠናከር ያለመ የሰላም ፎረም በመቀሌ ዩኒቨርስቲ
በትግራይና አማራ ህዝቦች መካከል ግንኙነት ለማጠናከር ያለመ የሰላም ፎረም በመቀሌ ዩኒቨርስቲ

ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ንምሕይል ዝዓለመ ፎረም ሰላም ትማሊ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ጎንፂ ንምፍጣር ይግበር ኣሎ ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ብሰላም ንምፍታሕ ዝከኣለሉ መንገዲ ኣብቲ ፎረም ተዘትዩ።

“ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ሓቢሮም ዝነበሩ ብብዙሕ ነገራት ዝመሳሰሉ እዮም" ይብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ አፍሪቃ ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፂ መፅናዕቲን ምርምርን እናከየዱ ዝርከቡን፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ድማ መምህር ስነ ፅሑፍ ዶክተር ገብረየሱስ ተኽሉ ።

ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘመሳስልዎም ቁም ነገራት ንጎኒ እናተደፍኡ፣ ኣፈላላዮም ብዝበለፀ ጎሊሆም ክወፁ እናተገበረ ሐዚ ንክልቲኦም ህዝብታት ናብ ዘይጠቅም ጎንፂ ከምርሑ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት “ዩኒቨርስቲታት ናይ ዝተፈላለዩ ብሄር ተወለድቲ ዝሓዙ ብምዃኖም ነኒባዕሎም ዝላለይሉ ሓድነቶም ዘሕይል እዩ" ኢሎም። ዝርኣዩ ዘይምርድዳእ ናብ ናይ ብሄር ጎንፂ ንምስግጋር ዝግበር ምንቅስቓስ ይረአ ኣሎ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ ከምዚ ዓይነት መድረኻት ሰላም ክሰፍን ንምግባር ኣበርክቶ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝፀንሐ ርክብ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን የጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ንዘጋጠሙ ፈተናታት ድማ ብዘይ ጉድኣት ንምስጋር ብናይ ሰላም ተሟጋታይ ኣካይዳ ብምጥቃም ክግበሩ ዝኽእሉ ፃዕርታት እወን ኣብቲ ፎረም ተዘትይሎም እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG