ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ክትግበር ምጅማሩ ተገሊጹ


ethio-eritrea
ethio-eritrea

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ኣብዝበፅሕሉ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ብዝቐልጠፈ ክትግበር ጀሚሩ’ሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለምኣፍሊጦም።


እቲ ስምምዕ ኣዚዩ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ግብራዊ ክኸውን ናብ ባይታ ናይ ምውራድ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅባሕ ረቡዕ ፈላማይ በረራ ናብ ኣስመራ ክጉዓዝ እዩ ኢሎም።ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃፍቲ፣ፍሉጣት ውልቀሰባት፣ንነዊሕ እዋን ካብ ስድርኦምን ፈተውቶምን ተፈላልዮም ዝፀንሑ ኤርትራዊያን ኣሕዋትና ኣሓትናን ሓዊሱ ኣስታት 465 ሰባት ናብ ኣስመራ ክጉዓዙ እዮም ኢሎም።


መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ናይ ትኬት መሸጢ ቤት ፅሕፈት ብምኽፋት ስራሕ ከምዝጀመረ እውን ገሊፆም።


ወደብ ዓሰብ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ብወገን ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ብወገን ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ኣገልግሎት ማሪታይም፣በዓልስልጣን መርከብ፣ ሚንስትሪ መጎዓዚያን ካልኦት ዝምልከቶም ዘፈራትን ኣብያተ ፅሕፈትን ሓደ ግብሪ ሓይሊ ኣጣይሾም ኣገልግሎት ወደብ ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ስርሓት ብናህሪ ጀሚሮም ኣለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG