ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ሕወሓት ዝኾኑ ገለ ሰበ-ስልጣን ካብ ሓላፍነት ዝተኣልዩ ብዘርኣይዎ ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመት`ዩ` ብልጽግና ፓርቲ


እቲ ዝተገብረ ምውራድ ስልጣን፡ ምስ ካልእ ዝኾነ ይኹን ምትሕሓዝ የብሉን ዝበለ ብልጽግና ፓርቲ፡ ካብ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ስራሕ ብግቡእ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ተኪኦም ክሰርሑ`ዮም ኢሉ።

ወሃቢ-ቓል ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወሉ ኣብዲ፡ እቲ ምኽንያት ምውራድ ስልጣን ድኽመት ኣፈጻጽማ ስራሕ`ዩ ይብል። “ ሓላፍነት መንግስቲ ዝብሃል፡ ነቲ ዘሎ መስመርን ራእን ተልእኮን ብግቡእ ዝፍጽም`ዩ”

ስለዚ ብመንግፍስቲ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ኣብ ክንዲ ምፍጻም ነገራት ብምጉታትን ኣገልግሎት ህዝቢ ብግቡእ ዘይምሃብን፡ ብፍላይ ድማ እዞም ለንቅነ ካብ ስልጣን ዝተወገዱ ሰበ-ስልጣን ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመት ዝተራእዮም`ዮም ንቐጻሊ`ውን መንግስቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ተኸታቲሉ ዘፈጽሞ ተግባር`ዩ ዝኸውን ኢሉ ወሃቢ ቃል ብልጽግና ፓርቲ። “ኣባላት ሕወሓት ስለዝኾኑ ዘይኮነስ፡ ወይ ትግራዎት ስለዝኾኑ ዘይኮነስ ኣብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ብዘርኣይዎ ድኽመት`ዩ። ኮነ ኢሎም ጸገማት ብምፍጣር ዝገብርዎ ነገር ስለዝነበረ፡ ብእኡ ምኽንያት`ዩ እቲ ምቅይያር ስልጣን ተገይሩ”

ለንቅነ መጠነኛ ናይ ስልጣን ለውጢ ዝግበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምንስተር ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ምኽትል ኣደ-መንበር ሕወሓትን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረዝግኣብሔር(ሞንጀርኖ) ብኻልእ ተሿሚ ተኪእዋ`ሎ። ካልእ ድማ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣቶ ሰለሞን ኪዳነ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG