ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዩክሬን ዝነበራ ሜሪ ዮቫኖቪች ንኮንግረስ ቃለ ምስክርነተን ሂበን


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዩክሬን ዝነበራን ዝተባረራን ሜሪ ዮቫኖቪች ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝዓለመ ኮንግረስ የካይዶ ናይ ዘሎ መስርሕ ምርመራ ሎሚ ዓርቢ ቃለ ምስክርነተን ሂበን።ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ናይ ዩክሬይን ፕረዚደንት ቮሎዲሚይር ዘለንስኪ ደዊሎም ብዛዕብአን ዝሃቡዎ ርእይቶ ከም ዘሰንበደን ገሊፀን።

ንሰን ኣብ ካቲቶል ሂል ንናይ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ስለያ ኣብዝሃብኦ ቃል “እንታይ ከምዝሓስብ ኣይፈለጡን ነይረ፤ግን ኣዚየ ተሻቒለ ነይረ’’ኢለን ።

ንሰን ነዚ ናይ ምርመራ መስርሕ ኣብ ዘበገሰ ናይ ትራምፕ ስልኪ ዝርርብ ሽመን ዝተጠቕሳ እየ ነይረ።ዋይት ሃውስ ኣብዝሃቦ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ትራምፕ ንሜሪ ዮቫኖቪች ‘ሕማቕ ዜና እዩ’ምባሎም ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG