ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝታሕዙ ሰባት ብቐዳምነት ትስራዕ


ሰበስልጣን ኣመሪካ፥ ካብ 100 ሺሕ ክሳብ 240 ሺሕ ዝበጽሑ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ብምጥንቃቕ፥ ንምንካዩ ማሕበራዊ ምፍንታት ክትግበር ይጸቕጥሉ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ቀንዲ ዓውደ-ውግእ`ቲ ቫይረስ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ፥ ኣመሪካ፡ ጣልያንን ስጳኛን`የን- ጀርመን ድማ ሎሚ 5,500 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድሕሪ ምምዝጋባ ንቻይና ክትሓልፋ ትቀራረብ ኣላ።

ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ፥ ዳይሬክተር ተላገብቲ ሕማማት ኣመሪካ፥ እቲ ቁጽሪ ክንድኡ ንኸይድይብ ተስፋ እገብር ግን ሰባት ንኸምኡ ዓይነት ክውንነት ክቕረቡ ኣለዎም ኢሉ። " ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ፥ ኣብ ማሕበራዊን ኤኮኖሚያውን ህይወትና ዓቢይ ተጽዕኖ ፈጢሩልና`ሎ” ድሕሪ ምባል ፥ ኣብዘን ዝቕጽላ 30 መዓልታት ብኹሉ ሓይሊና ነቲ ዝርግሐ ቫይረስ ንምክልኻል ብጻዕቂ ክንሰርሕ ጥራሕ`ዩ ዝግባኣና ኢሉ`ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፥ ሃገርና ቅድሚ ሎሚ ተፈቲናቶ ኣብ ዘይትፈልጥ ሃገራዊ ፈተና ተሸሚማ ትርከብ ኣላ ኢሉ።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ እቲ ላዕላዋይ ጥርዚ`ቲ ሕማም ኣብ ዝቕጽላ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት ከምዝኸውን ይገልጹ`ለዉ ።

ዶ/ር ፋውቺ፥ እቲ ናይ 100 ሺሕን ልዕሊኡን ክኸውን ይኽእል`ዩ ዝበልናዮ ቑጽሪ ሞት፥ ብኣግኡ ንእምቶ`ዩ`ምበር ዘይተርፍ`ዩ ኢልና ክንወስዶ የብልናን ኢሉ።

ኣወሃሃዲት ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዋይት ሃዋስ ዶ/ር ዲቦራ ብርክስ ብወገና፥ማሕበራዊ ኣካይዳና ምቕያር`ምበር እቲ ሓማም ተላገብ ርጉጽ መድሃኒት ወይ መሕወዪ የብሉን ኢላ።

ኣብ ኣመሪካ ዛጊት ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም፥ ልዕሊ 187 ሺሕ በጺሖም ኣለዉ- ካብኦም ዝሓውዩን ዝሞቱን ኣለዉ። ዝሞቱ ናብ 4,000 ገጾም ይጽግዑ ኣለዉ። ካብ`ቶም ኣብ ቻይና ዝሞቱ ዝለዓሉ ኮይኖም ኣለው። ከምኡ`ውን ካብቶም ኣብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 11 2001 ዝሞቱ ዛይዶም። ሓደ ርብዒ ናቶም ከኣ ኣብ ኒው ዮርክ`ዮም።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኒው ዮርክ አንድሩ ኮሞ፥ ንሆስፒታላት ዝኸውን እኹል መሳርሕታት ሕክምና ከምዘድሊ`ዩ ዝጣራዕ ዘሎ፥ ካብ ቻይና ንሓንቲ ብዋጋ 25 ሺሕ ዶላር 17 ሺሕ ቨንቲለይተራት ማለት ኦክስጂን መተንፈሲ መሳርሕታት ከምዝኣዘዘ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ- ።

ፕረ.ትራምፕ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝእታት ከጋጥም ንዝኽእል ብዝሒ ተጠቃሚ ዘገልግል፡ 10 ሺሕ ኣብ መኽዘን ክንሕዞ ኣለና ኢሉ ከምዝሓዞ ኣፍሊጡ`ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብኻልእ ወገን ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ሰባት ናብ ስራሕ ወይ ናብ ትምሕርቲ እንተተመሊሶም ዝኸፍአ ኩነታት ከጋጥም ከምዝኽእልን ብሚሊዮን ዝቑጸር ህዝቢ ክመውት ከም ዝኽእልን ኣፈራሪሑ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ሃገራት፥ንዝርግሐ`ቲ ቫይረስ ንምግታእ ከተማታተንን ዞባታተንን ምዕጻው ቀጺለን ኣለዋ- ። ካብ መንጎ ዳሕረዎት ሓንቲ ቬትናም ኮይና`ላ።

ኒውዚላንድ ድማ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሕዝዋ ናብ 708 ድሕሪ ምድያቦም ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈታት፥ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ መግብን ከምዝዕጾ ጌራ`ላ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ጃምላዊ መርመራታት ፥ንምድያብ ቁጽሪ ምትሕልላፍ፥ ናብ ጎልጎል እንተውረዶ`ኳ ፥ሎሚ ረቡዕ ፥101 ሓደሽቲ ግዳያት ተረኺቦም ኣለዉ።

ነቲ ለበዳ ዝመርሐት ቻይና ሎሚ ተስፋ ረኺባ ኣብ ገሊኡ`ውን እቲ ምዕጻው ቀስ እናበለት ክተፍኩሶ ጀሚራ`ላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት በዚ ምኽንያት ለበዳ ጠጠው ክብል ንኹሎም ወገናት ዘቕረቦ ምሕጽንታ መሰረት ብምግባር ባይቶ ጸጥታ ትማሊ ሰሉስ ተቐናቐንቲ ኣፍጋኒስታን ምቁራጽ ተኹሲ ክእውጁ ኣተሓሳሲብዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG