ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ክትኣትው ፈቒዳ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ መራኽብ ኣብ ወደባት ሲሲሊ ክዓርፋ ኣፍቒዳ ኢጣልያ ነዚ ዝፍለጠት ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ድሕሪ ምርግጋጸን'ዩ።

እቶም 450 ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብተን ናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ድሕሪ ምጽንሖም'ዮም ኣብ ወደባት ሲሲሊ ተራጊፎም።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሶማልን ዝመጹ ክኾኑ ኸለው ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ መራኽብ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ወደባት ከይኣትው ከልኪላ ድሕሪ ምጽንሓ ሃገራት ኣውሮጳ ንልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ከምዝቕበሉ ድሕሪ ምርግጋጸን'ያ እተን መራኽብ ኣብ ወደባታ ክዓርፋ ፈቒዳ።

ካብቶም ስደተኛታት 128 አላይ ዘይብሎም ህጻናት ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ኣብ ዝኣተወሉ ፖሊስ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠሩ 8 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዱ ኣእትዩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG