ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ ንናይ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምንቅስቓሱን እዋናዊ ኩነታት ናይታ ሃገርን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ


ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምንቅስቓሱን እዋናዊ ኩነታት ናይታ ሃገርን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ኢዜማ ኣብ መግለጺኡ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ነጊሱ ምፅንሑን ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ግን እታ ሃገር ኣብ ጎደና ለውጢ ከም እትርከብን ሓቢሩ’ሎ።ኢትዮጵያዊያን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝተቓለስሉ ለውጢ መንገዱ ንምስሓት ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ወገናት ይሰርሑ ኣለው ይብል።

ኢዜማ ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ትካላት እምነትን ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ነቲ መስርሕ ስግግር ንድሕሪት ዝጎትት እዩ ክብል ኮኒኑዎ’ሎ።

ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ይውሰዱ ኣለው ንዝበሎም ስጉምታት ዝነኣደ ኢዜማ መንግስቲ ግጭታት ዝቐስቀሱ ሓይልታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ሓቲቱ።

መራሒ ኢዜማ ፕ ሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምርጫ ብዝምልከት ዘለዎ መርገፂ ክገልፁ ከለው ከምናቶም ድልየትን ቅዋምን እንተዝኸውን እዚ ምርጫ በቲ ተታሒዙሉ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክካየድ ኣይነበሮን፤እንተተኻይዱ ግን መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ ኢሎም።

“እቲ ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ መንግስቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ሰላምን ፀጥታን ከረጋግፅ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ።ነፃ፣ሚዛናውን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ኣገደስቲ መሓውራት ኣብ ቦቱኦም ክህልው ኣለዎም።”

ሓላፍነቱ ዘይዋፃእ እንተድኣ ኮይኑ ግን እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘይኮነ ናብ ቀፃሊ ዕግርግር ዝወስዳ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG