ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ደቡብ ክልል ብዝተራእየ ሕማም ኮሌራ 18 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተራእየ ለበዳ ሕማም ኮሌራ 18 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ልዕሊ 1,300 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎምን ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክትትል ሃንደበታዊ ሕማማት ኣቶ እንዳሻው ሽብሩ ኣብ ዞባታት ደቡብ ኦሞ፣ጎፋ፣በጋሞን ኮንሶን ከምኡ እውን ኣብ ፍሉይ ወረዳ በኣሌ ብሰንኪ ዝተለዓለ ለበዳ ካብ ዝሓመሙ 1,300 ሰባት 50 ሚእታዊት ኣብ ደቡብ ኦሞ ዝርከቡ እዮም ኢሎም።

ኣቶ እንዳሻው ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ መዕልታት ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ዘጥፍአ ሕማም ለበዳ ኮሌራ ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ድማ ንህይወት 18 ሰባት ኣጥፊኡ’ሎ ኢሎም ።

“ዳርጋ ኩሎም ኣብ ፈላማይ መዕልቲ እዮም ሞይቶም።እቲ ህዝቢ ሓበሬታ የብሉን።ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ፣ሓሙሽተ ኣብ ሕክምና ሞይቶም፤መብዛሕቲኦም ግን ኣብ ገዝኦም ከለው፣ሓበሬታ ከይረኸቡ ህይወቶም ስኢኖም።”

ለበዳ ሕማም ኮሌራ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጥዕና ፈተና ኮይኑ ምቕፃሉን መንቀሊኡ ድማ ሕፅረት ጽሬትን ዝስተ ማይን ከምኡ እውን ጉድለት ከባቢያዊ ጽሬት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ሕማም ከይሰፍሕ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ምስ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ዓለምለኸ ትካላትን ብምኳን ናይ ምክልኻል ስርሓት ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG