ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ቀረባ ንዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ሂባ


ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ንዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ዝህብ ሕጊ ኣሕሊፋ: ብተወሳኺ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝጸንሓ ንጸጥታ ዝምልከት ሕጊ'ውን ለዊጣቶ አላ።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጽሉ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ለውጢ ምክያዶም ይፍለጥ፤ እዚ ድማ አካል እቲ ለውጢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ መላእ'ታ ሃገር ብዝተላዕለ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ኣስታት 30,000 ሰባት ብክሲ ግብረ ሽበራ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቶም እሱራት መራሕቲ ተቓውሞ: ፖለቲከኛታት :ተማሃሮ: ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ዝርከብዎም'ዮም።


መብዛሕትኦም ዝኻየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ንቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት: ማዕርነት ዘይምህላውን ጭቆናን ዝብሉ ጉዳያት ዘልዕሉ ምንባሮም ይዝከር።

እዚ ናይ ምሕረት ሕጊ ኣብ ትሕቲ ምርመራ ዝጸንሑ ኾነ ክሲ ተመስሪትዎም: ተፈሪዶም ንዝነበሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታት ዝምልከት'ዩ ክብላ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።

ኣቐዲሙ ፓርላማ'ታ ሃገር ከም ኦነግን ግንቦት 7 ዝአመሰሉ ብክስታት ግብረሽበራ ተኸሲሶም ዝነበሩ ጉጅለታት ክስታቶም ምልዓሉ ይፍለጥ።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ሁማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝተፈጸመ ስቅያትን ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝተቐትሉ ንምጽራይ ምርመራ ከካይዱን ሕጊ ግብረ ሽበራ ክልዕሎ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።

XS
SM
MD
LG