ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣልጀርያ ኣብ ግድብ ህዳሴ ንኩሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገጺ ክትሕዝ ምሕታታ ኣፍሊጣ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ቀፃሊት ኣደመንበር ዓረብ ሊግ ክትኸውን ትፅቢት ዝገበረላ ኣልጀሪያ እቲ ሊግ ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሴ ንኹሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገፂ ክሕዝ ሓላፍነታ ክትዋፃእ ምግላፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

መበል 39 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሪቃ ሎሚ እውን ቀፂሉ ዝወዓለ ክኸውን ከሎ ጎኒ ንጎኒ እቲ ኣኼባ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተዘራሪቦም ኣለው።ሓደ ካብኦም ናይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ኮይኖም ዓረብ ሊግ ኣብ ግድብ ህዳሴ ንኹሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገፂ ክሕዝ ሃገሮም ከምእትሰርሕ ቃል ምእታዎም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ኣፅዋር ገዚኣ ብዝብል ግብፂ ከምዘስግኣ ምግላፃ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ኢትዮጵያ ነፃ ሃገር ከም ምዃና ዝኾነ ይኹን ርክብ ናይ ምፍጣር መሰል ኣለዋ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG