ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ


ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት መርመራ ካብ ዝተገብረሎም 1775 ሰባት ኣብ 35 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ሚንስተር ጥዕና ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- መብዛሕቲኦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ`ዮም።

ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሓመድ፥ ኮቪድ 19 እናሰፍሐ ብምምጽኡ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኩሎምን ሸለል ከይበሉ ንኩሎም ዝወጹ መምርሕታት ክትግብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG