ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ከምዘላ ትገልጽ


ፋይል
ፋይል

ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ከምዘላ ሎሚ ዓርቢ ገሊጾም።

ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ ጀነራል አስራት ደኒሮ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት “ልዑል ምምሕያሽ ምርኣዩን ብወገን ኤርትራን ዝጸንሓ ስግ ኣት ብምጉዳሉን ሰራዊታ ኣብቲ ዶብ ምጽንሑ ኣድላይ ኮይኑ ከምዘይተረኸበ” ገሊጾም።

እቶም ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ነዚ ዝገለጹ ምስ ፋና ብራኦድካስቲንግ ኤጄንሲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ኣብታ ሃገር ካብ ዝተአታተው ለውጢታት ገለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት መጉዓዝያ መሬትን በረራን ከምዝጀመረን ኤምባሲ ሃገራት ከምዝኸፈታ ይፈልጥ።

XS
SM
MD
LG