ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ተኸሲሱ


ኢትዮጵያዊ ነባሪ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ(ኣሜሪካ) ብክሲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሩ ኣሜሪካዊ ዜግነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላው ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ንዋሽንግተን ፖስት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: እቲ መርጋ ንጉሴ ሃብተየስ ዝተባህለ ወዲ 58 ዓመት ኢትዮጵያዊ ዜጋ: ንናይ ኣሜሪካ ዜግነት ኣብ ዘመልከተሉ እዋን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂቡ ብዝብል ክሲ ዝሓለፈ ብዓርቢ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ክሲ መርጋ ንጉሴ ኣብ እዋን “ቀይሕ ሽብር” ኣብ ቤት ማእሰርቲ መርማሪ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን ኣብ መስርሕ ምሕታት ዜግነት ኣሜሪካ ድማ ሰባት ብሰንኪ ፖለቲካ መርገጺኦም ጽዑ ፍርዲ ሂብ ካ ትፈልጥ’ዶ ዝብል ሕቶ ኣሉታዊ መልሲ ብምሃቡ: እቲ ክሲ ከምዘመስረተ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

መርጋ ንጉሴ ናብ ኣሜሪካ ስደተኛ ኮይኑ ምእታውን በዚ ቀሪብሉ ዘሎ ኽሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ዜግነቱ ተመንጢሉ ናብ ሃገሩ ከምዝጥረዝ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ዋሽንግተን ፖስት ግብረ መልሲ ክሱስ ንምር ካብ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG