ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግባእ`ዶ? ኤርትራውያን ይካትዑ


ኣቶ ኣሉላ ኣብርሃን ኣቶ ሱሌማን አደም
ኣቶ ኣሉላ ኣብርሃን ኣቶ ሱሌማን አደም

ካብ መስረቲ ኣቦታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ ዋና-ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ በቲ ሕብረት፡ ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ኣሎ። ይኹን`ምበር ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ጸረ-ሰብኣውነት ግፍዕታት ይኸብድ ይብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን። ኣብ ኢትዮጵያውያን`ውን ንምትካል ሓወልቶም ዝምልከት ናይ ሓባር ርእይቶ የለን።

ኣቶ ሱለማን ኣደም፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ዝርከብ ዜጋታት ንደሞክራሲያዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ማሕበር ዝሰርሕ`ዩ። ንሱ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዑና፡ በስክዲራ፡ ኣቑርደት፡ ሃዘሞ፡ ኦምሓጀርን ካልኦት ብዙሓትን ብሰርዓት ሃይለስላሰ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ክትዝክር ከለኻ ብሓቂ የሕምመካ`ዩ ይብል። መንግስቲ ኤርትራ ንታሪኽ ዝተርፍ ተቓውምኡ ከስምዕ ይግባእ`ውን ይብል።

ኣቶ ኣሉላ ኣብርሃም ድማ ካብ ንጡፋት ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ`ዩ። ንሱ ብወገኑ፡ ኣቲ ግፍዕታት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ሓደ ዛጊት ናይ ባዕሉ ናጽነት ዘይብሉ ብብልሽውና ዝተቖማጥዐ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ- ነበር፡ ንሃይለስላሰ ሓወልቲ እንተሰረሓሉ ከጨንቐና ዝግባእ ኣይኮነን ይብል፡

ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግባእ`ዶ ኣብ ዝብል ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ይካትዑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG