ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደን ብሕታዊን ተኸታሊ እምነት ክርስትያን አባል ገዛኢ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ቃለ መሓላ ፈጺሙ


ፋይል
ፋይል

ሱዳን ንሓደ ተኸታሊ እምነት ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ክሪስትያን ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ጌይራ ምሻማ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ትሕቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ንዓሰርተታት ዓመታት ዘሕለፉዎ ጭቆና ኣብቂዑ ማዕረ መሰላት ክረጋገፀሎም ተስፋ ዝህብ ኾይኑ ኣሎ።

እቲ ሓደን ብሕታውን ክርስቲያን ኣባል ገዛኢ ቤት ምኽሪ ልኡላውነት ኮይኑ ቃለ ምሓላ ምፍፃሙ ሱዳናዊያን ኣመንቲ ክርስትና ታሕጓሶም ገሊፆም ኣለው።

ኮፕቲክ ክሪስትያን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሱዳናዊያን ኣመንቲ ክርስትና ዝሓቖፈ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እዩ።

11 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሉ እዋን ንሰለስተ ዓመት እንተኾነ እውን ራጃ ኒኮላ ኢሳ ዓብዱል-ማሲሕ ምምራፁ ብብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ከም ነጥቢ መቐይሮ ተወሲዱ’ሎ።ስዓቢ ኮፕቲክ ዝኾነ ኣሚር ጆሴፍ ሱሌማን ሱዳናዊያን ክርስቲያን ኣብ መንግስቲ ድምፂ ክህልዎም ንነዊሕ እዋን ክቃለሱ ከምዝፅነሑ ይገልፅ።

ንሱ ብተወሳኺ ምዕራፍ ሃይማኖታዊ ዓፈና ንሓልፎ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ።ሽመት ራጃ ኒኮላ ንሱዳናዊያን ስዓብቲ ክርስትና ጥራሕ ዘይኮነስ ንሱዳን እውን ነፃነት እዩ ክብል ርእይትኡ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG