ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ጉድለት ጥንቓቐ ስግኣት ከምዝፈጠረሎም ይዛረቡ


ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘተሓሳስባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ሕብረተሰብ ይረአ ዘሎ ጉድለት ጥንቃቐ ከቢድ ስግኣት ከምዝፈጥረሎም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእኸላትን ኣገልግሎት መጎዓዚያን እቲ ጉድለት ብሰፊሑ ከምዝርኣይ ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ከምዝተረኣየ ኣብ ዝተገልፁ ክፈለ- ከተማታት ኣዲስ ከተማ፣ልደታን ኣራዳን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናይ ቀደም ኣገባብ መነባብርኡ ኣይቀየረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተመዝገቡ 31 ሰባት ሓዊሱ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 731 መብዛሕቲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG