ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ንሰብኣዊ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ናይ 29 ሚልዮን ፖውንድ ስተርሊንግ ሓገዝ ተመባጺዓ


ብመሰረት ወግዓዊ መንግስታዊ ምንጪ፡ ብሪጣንያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል ተወሳኺ ናይ 29 ሚልዮን ፓውንድ ክትውፊ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪክይ ፎርድ ነዚ ዝገለጻ ብምኽንያት ቀዳም 16 ጥቅምቲ ዝተዘከረ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መግቢ ኣጋጣሚ ብምግባር’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብሪጣንያ ንሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እትህቦ ሓገዝ 75 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚኒስተር ቪክይ ፎርድ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንቕልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመና ይድርቶ ስለ ዘሎ፡ ኵላቶም ወገናት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍደገ ክኸፍቱን ጸዊዐን።

ብመሰረት ገምጋም ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ክሳቐ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርኣየሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ከኣ ዛጊት 10% ናይቲ ዝድለ ሓገዝ ጥራይ ክባጻሕ ምኽኣሉ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ይውስኽ።

XS
SM
MD
LG