ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀ/ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቡ ምዝርራቡ ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ምኽኣሉ ንኢትዮጵያ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት'ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ እቲ ዓብይ መልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም የለን ንዝብል ዘፍርስ ብምኻኑ እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እቲ ኣኼባ ብኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ'ዩ። እዚ ኣኼባ ንክካየድ ንምግባር ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ላዕልን ታሕትን ኔርዎ'ዩ እውን ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሞሊ ፍንን ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቪድ ሳተርፊልድንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡ'ዉን ገሊጾም'ለዉ። ይኹን ደኣ እምበር ግን ምስ መን ከምዝተራኸቡ ኣይገለጹን።

ድምጺ ኣመሪካ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝረኸቦ ሓበረታ ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ምይይጥ ተመስሪቶም ኣብ መጻኢ ዝግበሩ ስጉምታት ክዘራረቡ'ዮም ኢሉ'ሎ።

እቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ወሲኹ ንዝተኸፍተ ማዕጾ ሰላም ተጠቂምካ መጥቃዕታት ነፈርቲን ካልኦት ጎንጽታትን ጠጠው ምባል ንምቁራጽ ተጻብኦ ልዝብ ምግባር ንኹሎም እሱራት ፖሎቲካ ምፍታሕ ዘይተቋረጸ ሰብኣዊ ረድኤ ክቅጽል ምግባርን ንኹሉ ሓቆፍ ሃገራዊ ልዝብ መሰረት ምንባርን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረቡ እዮም ኢሉ።

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ዝወጹ መግለጺታት እሱራት ፖሎቲካ ምህላዎም ወይ'ዉን መንግስቲ ኣሸበርቲ ኢሉ ምስ ዝሰየሞም ኣካላት ንምዝርራብ ምውሳኑ ዘርኢ መግለጺ የለን።

XS
SM
MD
LG