ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ድምጺ ክህብ’ዩ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ድምጺ ክህብ’ዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ውጥረት ብሰላም ድሕሪ ምዝዛሙን ምስ ጅቡቲ ዝጸንሓ ውጥረት ዝሰፈኖ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስ ብምህላውን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር ካልእን እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ውሳነ ክሕልፍ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማት ይገልጹ`ለዉ።

ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ዲፕሎማት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት 15 አባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ልዝቦም ትማሊ ሶኑይ ከምዝዛዘሙን ኣብቲ ብብሪጣንያ ዝቐረበ ረቒቅ ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ከምዝተሰማምዑን ይሕብሩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ግብረ ሽበራ ሶማል ሓገዝ ትህብ’ያ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 እገዳ ምንባሩ ይፍለጥ፡ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ`ያ።

እቲ ረቒቅ ክትግበር ትሸዓተ ናይ ደገፍ ድምጺን ካብ ዓብላሊ ድምጺ ዘለወን ኣሜሪካ፡ቻይና፡ሩስያ፡ብሪጣንያንን ፈረንሳን ድማ ተቓውሞ ክገጥሞ የብሉን ዝበሉ ርእይቶኦም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝሃቡ ዲፕሎማት፡ ድምጺ ናይ ኩሎም አባላት ተመሳሳሊ ከምዝኸውን’ውን ኣንፊቶም ኣለው።

እቲ ብብሪጣንያ ዝቐረበ ረቒቅ ምልዓል ናይ ኣጽዋር እገዳ ንሰበስልጣን ኤርትራ ናይ መገሻን ናይ ንብረት ከየንቀሳቅሱ ዝክልክል እገዳ ክለዓል ዝብል ምኳኑ ሮይተርስ ኣገረጋጊጹ’ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ኤርትራን ጅቡቲን ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ መንጎ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ዶብ ብሰላም ክፈትሓ ዘተሓሳሰበ ክከውን ከሎ ንጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ የካቲት 15,2019 ጸብጻብ ከቕርብ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።

ኣብ ናይ 2017 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ብሰላም እንተተዛዚሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነብረ እገዳ ንክለዓል ዳግመ ግምት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG