ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሹመት ሓደስቲ አባላት ካቢነ አጽዲቑ


ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ንዘቅረብዎ ሹመት ሓደስቲ አባላት ካቢነ ሎሚ አጽዲቑ።

እቲ ሓድሽ ካቢነ ኣብ ኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ክበሃል ብዝኸአል ደረጃ 50 ሚእታዊት ካብ አባላቱ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ።ብተወሳኺ ሓላፍነትን ስልጣንን አባላት ፈጻሚ አካል ንምውሳን’ውን አዋጅ ጸዲቑ’ሎ።

ነቲ ሹመት’ቶም አባላት ንካቢነ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ቀ/ሚ ዶ/ር አብይ አሕመድ ከምዚ ኢሎም ኔሮም።

“ምስዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ተታሓሒዙ ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ብቅዓት ንኽህልዎ ቁጽሪ ካቢነ ካብ ዝነበሮ ናብ 20 ወሪዱ ዝወራረስ ዝቀራረብ ዝተአሳሰር ስራሕ ዘለዎም ትካላት ተጣሚሮም ብሓባር ንክውደቡ ሓሳብ ቀሪቡ’ሎ።”

ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ሚንስተር ዴኤታ ንተጸዋዕነት መንግስቲ አቶ አማኑኤል አብርሃም ብዛዕባ’ዚ ንድምጺ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሹመት ሓደስቲ አባላት ካቢነ አጽዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00

XS
SM
MD
LG