ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ጥምቀት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቢሩ ውዒሉ


ጥምቀት ኣብ ከተማ ጎንደርን ከተማ ኣስመራን
ጥምቀት ኣብ ከተማ ጎንደርን ከተማ ኣስመራን

በዓል ጥምቀት ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታ እተን ሃገራት ዝመጻና ሓበረታ ኣመልኪቱ`ሎ።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃል ሜዳ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ብዙሓት ነበርትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝመጹ ኢትዮጵያውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ኔሮም ክብሉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ብወኪሎም ኣቡነ ኣረጋዊ ኣቢሎም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ኩሉ ንሰላም ንዝግበር ጻዕሪ ክድግፍ ሓቲቶም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ባህረ-ጥምቀት ፋሲለደስ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ጥምቀት፡ ድሕሪ ኩናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስን ብዝደመቐ ኣገባብ ምሕላፉ ተፈሊጡ`ሎ። ብዙሓት ካብ ደገ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ምስታፎም`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ኣብቲ እዋን ንህዝቢ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ፡ ሎሚ ዘመን ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘይምርካቦም ናይ ውሽጢ ሃገር ቱሪዝም ክነተባብዕ ከምዝግብኣና ዝመላኽት`ዩ ኢሉ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ብናቱ ኣገባብ ተኸቢሩ`ሎ ።

ኣብ ኤርትራ ብተኸተልቲ ክርስትና ዓቢ ቦታ ዘለዎን ኣብ ኣደባባይ ዝኽበርን በዓል ጥምቀት ፡ሎሚ 19 ጥሪ ኣብ መላእ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብድምቀት ተኸቢሩ።

ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ቄዎርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ንኩሎም ህዝበ ክርስትያን ዘለናዮ ዓመት ናይ ሰላምን ራህዋን ክኾነሎም ትምኒቶም ገሊጾም።

እቲ ብድሮ ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ናብ ባህረ ጥምቀት ዝግበር ናይ ሕድሮ ስነ-ስርዓት ብምኽንያት ኮቪድ19 ኣይተካየደን፡ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማን ብድሮ ጀሚረን ምሉእ ለይቲ ቅዳሰን ጸሎትን ኣብጺሐን።

XS
SM
MD
LG