ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ኣብ ምንካይ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ትሕግዝ ዲጅታል ኣፕሊከሽን ዝመሃዘ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ መንእሰይ


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ነባሪ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጅንያ ዝኾነ ኤርትራዊ- ኣመሪካዊ መንእሰይ ብሩክ ኣረፋይነ ሃብተ፥ ኣብ ምንካይ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ትሕግዝ ዲጅታል ኣፕሊከሽን ኣማዕቢሉ`ሎ።

እታ `ኣፕ` ፥ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዘ ሰብ እንተልዩ፡ 14 መዓልታት ንድሕሪት ተመሊሳ፥ ምስ`ቲ ሰብ ምትንኻፍ ወይ ምቅርራብ ዝነበሮም ሰባት ኩሎም ኣላልያ ትሕብር ምዃና መንእሰይ ብሩክ ይገልጽ።

እታ ብ `ትራከር` ብሩክ ሃብተ` ትፍለጥ ኣፕሊከሽን፥ ውልቃዊ-መሰል ዓቂባ ትሰርሕ ምዃና ዝገልጽ ብሩክ፥ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ይግልገሉላ ከምዘለዉ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG