ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት ኣሜሪካ ዝውስኸሉ እዋን ዕዳጋታት ኣክስዮን ዓለም ምውሳኹ ተገሊጹ


ዕዳጋት ኣክስዮን ሎሚ ሓሙስ ናይ ምውሳኽ ምልክታት`ዩ ከርኢ ውዒሉ’ ሎ-ኣብ እስያ ዝተሓዋወሰ`ዩ ኔሩ-ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ግን መኽሰብ ኣመዝጊቡ’ሎ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣውፈርቲ ንቁጽሪ ሸቕሊ-ኣልቦነት ኣብ ኣመሪካ ክሰምዑ ኣብ ዝጽበይኑ ዘለዉ-እዋን`ዩ- እዚ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝበዝሐ ቁጽሪ ሸቕሊ-ኣልቦነት ዝተራእየሉ ጊዜ’ዩ።

ኣብ እስያ፥ ናይ ጃፓን ኣክስዮን ኒከይ ብ1.3% ክጎድል ከሎ ናይ ኣውስትራልያ S & P /ASX ብዳርጋ 2% ጎዲሉ ውዒሉ።

በኣንጻሩ ኣብ ኤውሮጳ፥ ናይ ብሪጣንያ FTSE ፥ ናይ ፓሪስ CAC-40 ናይ ጀርመን DAX ኣክስዮናት ወሲኹ ውዒሉ።

ከምኡ`ውን ናይ ኣመሪካ ዕዳጋታት ኣክስዮን ሎሚ ሓሙስ ዛጊት ብዘሎ ዕዳጋ ናይ 2% መኽሰብ ኣርእዩ`ሎ። ሸቕሊ ኣልቦነት ኣመሪካ ሎሚ ናብ 3.3 ሚልየን ክብ ከምዝብል ፋይናንሳዊ ተንተንቲ ይሕብሩ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG