ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ : ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተዛረብዎ ንዝተባህለ ርእይቶ ነቒፎም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ዝተዛረብዎ፣ ግጉይን ክግምገም ከምዝኾነን አብ ኣኼባ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ምግላጾም ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣፍሊጦም።

‘ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ አዋርሕ ዝተዛረብዎ፣ ግጉይን ክግምገም ዘለዎን ምኳኑ’ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ አብ ኣኼባ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ምግላጾም ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ጠቂሶም።

እቶም ቀ/ሚ ናብ ባህርዳር ዝኣተውሉ ጊዜ ምስ ምዝዛም ንሰለስተ መዓልታት ክኻየድ ዝቐነየ ኣኼባ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ተገጣጢሙ ኣሎ። አቶ ንጉሱ ጥላሁን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መብርሂ ምሃቦም ውን ሓቢሮም ኣለው።

እቲ መብርሂ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ አብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኢሎምዎ ዝተባሃለን ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝተወዓወዐን ፖለቲካዊ ርእይቶ ማእከል ዝገበረ እዩ።

ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ‘ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንክቡር ቀ/ሚ ከምዝተለዓለሎም፣ እቶም ቀ/ሚ ድማ ቅኑዕ ከምዘይኮነ እቲ ዝተፈነወ መልእኽቲ ብትሕዝትኡን ብውጽኢቱን ቅኑዕ ዘይምዃኑ፣ ክእረምን ክግምገምን ከምዝግባእ ንተኣከብቲ ኣረጋጊጾም እዮም’ ኢሎም።

እቲ ዝተባሃለ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን እናሃነጽና ኣብ ውሽጥና ንዝላዓሉ ኣበራት እናአረምና ክንከይድ ኢና ናብ ዝብል ሓባራዊ ምርድዳእ እዩ ተበጺሑ ዘሎ ኢሎም።

ድሕሪ ናይ 15 ሰነ ክስተት ንፈለማ ጊዜ ባህርዳር ዝኣተው ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንናይ ኣምሓራ ብልጽግና ፓርቲ መብርሂ ሂቦም፣ ኣብ ፕሮግራም መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ’ውን ተሳቲፎም ምስታፎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ሓቢር’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል



XS
SM
MD
LG