ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

123 ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ኪጋሊ ምግዓዞም ተፈሊጡ


ፋይል
ፋይል

ትማሊ ሓሙስ 123 ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ምእታዎም ተፈሊጡ።እዚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ካልኣይ ናይ ምውፃእ ወፍሪ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ከምዘሳለጦ ተፈሊጡ’ሎ።ዘድልይ ህይወት ኣድሕን ሓገዛት ከምዝተውሃቦም እውን ተሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ኤርትራዊያን ምዃኖምን ውሑዳት ሶማልያዊያን፣ኢትዮጵያዊያንን ሱዳናዊያንን እውን ከምዝርከቡዎም ተፈሊጡ’ሎ።

59 ካብኦም ካብ ስድኦም ዝተፈለዩ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ እዮም።እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህፃን እዩ።

XS
SM
MD
LG