ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ዝተሓምሸሻ ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ነፈርቲ ምምስሳል ከምዘሎ ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ዝተሓምሸሻ ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ነፈርቲ ቦይንግ 737 MAX 8 ንፁር ምምስሳል ከምዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መጎዓዚያ ትማሊ ሰንበት ገሊፀን።

ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መጉዓዝያ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ብላክ ቦክስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መአከቢ ሓበሬታ በረራ ቁፅሪ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩሉ ሓበሬታ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣሎ ኢለን።

ንሰን እቲ ዝተባህለ ምምስሳል ግን መብርሂ ኣይሃባሉን።ወ/ሮ ዳግማዊት ከምዝሓበርኦ መባእታዊ ፀብፃብ 157 ሰባት ዝቐተለ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክወፅእ እዩ ኢለን።

ቅድሚ እዚ ብላክ ቦክስ ምርካቡ ኣብ መንጎ 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ዝሞትሉ ናይ ጥቅምቲ ናይ ኢንዶኖዢያ ላይን ኤር ነፋሪትን ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ምምስሳል ከምዝነበረ ብዙሓት ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ 17 ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሰንበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ሬሳ ዝሞቱ ብዘይምርካቡ ስድራቤትን ፈተውትን ሓደ ኪሎ ሓመድ ዝሓዘ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕባሮም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG