ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ኔዘርላንድስ ጠንቒ መጥቓዕቲ ባቡር ንምፍላጥ ምርመራ የካይዱ


ፖሊስ ኔዘርላንድስ ትማሊ ሶኑይ ንሰለስተ ሰባት ዝቐተለን ንካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ዘቑሰለን ኣብ ከተማ ዩትረት ኣብ ዝርከብ መንገዲ ባቡር ናይ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ምኽንያት ንምውሳን ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ንስዓታት ብዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ቱርኪ ዝተወለደ 37 ዓመት ዝዕድሚኡ ተጠርጣሪ ጎክመን ታኒስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ።

ተገልገልቲ ባቡር’ታ ከተማ ሎሚ ሶሉስ ባቡር ምጥቓም ጀሚሮም ኣለው። ነባሪት ከተማ ዩትረት ዝኾነት ሩስ ብለንጀንበርግ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ከምዚ ትብል።

“ዘሕዝን እዩ።እወ ፈሪሐ እየ፤ምኽንያቱ እቲ ዝተፈፀመ ነገር ዘፍርሕ እዩ።”

ተማሃሪት ካልኣይ ረጃ ዝኾነት ትረዠረር ማኒንጋ በቲ መጥቓዕቲ ኣይፈራሕኹን ትብል።

“ኣይፈራሕኹን ምኽንያቱ ናቶም ድልየት ንክንፈርሕ እዩ።ግን ኸኣ ኣብ ገዛእ ከተማኻ ቁርብ ድሕንነት ከይስምዓካ ዝገብር እዩ።”

ጀሪዮን ቫን ዶርንኪ ዝተባህለ ሰራሕተኛ ባቡር ዘሕዝን እዋን ምዃኑ ብምግላፅ ነዚ ዝፈፀመ ኣሸባሪ ዘይኮነስ ሓደ ናይ ኣእምሮ ፀገም ዘለዎ ሰነፍ ወይ ዘይርድኦ ሰብ ኮይኑ ይስምዓኒ ክብል ይገልፅ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኔዘርላንድስ ማርክ ሩተ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ ፍፃመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ እንተኾይኑ ንምውሳን እዋኑ ገና እዩ ኢሎም።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ዝኾነ ኣናዶሉ ከምዝፀብፀቦ ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኣዝማድ ታኒስ እቲ ኣጋጣሚ ኣካል ናይ ቤተሰብ ምስሕሓብ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG