ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: መልእኽቲ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ፕረዚደንት ትራምፕ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብስም ህዝቢ ኣመሪካ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መልእኽቶም ፥ ኣብዚ ለበዳ ንዓለም ዘናውጸሉ ዘሎ ከቢድ እዋን፥ ንመንፈስ ህዝቢ ዓለም ዘበራብር ኣጋጣሚታት ምዝካር ኣገዳሲ`ዩ- ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ድማ ትርጉም ናጽነት ንኹሎም ኣህዛብ ንምጽብራቕ ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ`ዩ ምባሎም- ካብ ሻባይት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር: ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኤርትራ ፥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ቁጠባዊ፥ ዞባውን ጸጥታውን ምትሕብባር ንክሕይል ዝንኣድ ስጉምታት ወሲዳ`ያ ክብሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ ገሊጾም።።

ንሶም ኣብ መወዳእታ: ንኤርትራ ኩሉ ዓወት ንምነየላ፥ ከምኡ ድማ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን መሊኡ ንኽድልድል በቲ ጀሚራቶ ዘላ ጉዕዞ ክትቅጽል ተስፋ ንገብር ኢሎም።

XS
SM
MD
LG