ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚልሻታት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብዘካየደዎ መጥቓዕቲ 1 ወታሃደር ምሟቱን ካልኦት ብዙሓት ምቑሳሎምን ተገሊጹ


ሚልሻታት ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ዶብ ሱዳን ብምእታው ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ሓደ ወታሃደራዊ መኮነን ሱዳን ምቕታሎምን ካልኦት ብዙሓት ወታሃደራት ምቑሳሎምን ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን-ሱና ጸብጺቡ።

ሚልሻታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ኣል- ገዳራፍ ብምእታው ንፕሮጀክታት ሕርሻ ብምጥቓዕ ምስ ወታደራት ሱዳን ምግጫዎም ሱና ወሲኹ ይሕብር።

ወሃቢ ቃል ናይ ሱዳን ወታሃደራዊ ሓይሊ ብኢትዮጵያ ዝድገፉ ወታሃደራት ብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ብዙሓት ወታሃደራት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ምባሎም ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG