ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠንቀቕታ ውድብ ጥዕና ዓለምን ንምውሳኽ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን 


ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ዳይረክተር ምዕራባዊ ፓስፊክ ዶክተር ታከሺ ካሳይ 
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ዳይረክተር ምዕራባዊ ፓስፊክ ዶክተር ታከሺ ካሳይ 

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ኣወንታዊ ምምሕያሻት እንተተርኣየ እውን ሓደጋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጂ እውን ዝለዓለ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።ኣብ ዓለም በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 801,000 ዝሞቱ ድማ ኣስታት 39,000 በፂሑ ኣሎ። ምስፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ ገዲዱ ኣብዝቐፀለላ ኣሜሪካ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ከምዝተመርመሩ ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊፆም።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ዳይረክተር ምዕራባዊ ፓስፊክ ዶክተር ታከሺ ካሳይ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ’’ነዊሕ ዝጽንሕ ኲናት እዩ፤ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንኩነታተን ብዝጥዕም ግብረ መልሲ ምሃበን ክቕፅላ ኣለወን’’ ኢሎም።

ቻይና ሎሚ ሰሉስ ሓደ ዝሞተ ሰብን 48 ሓደሽቲ ዝተለኽፉን መዝጊባ ኣላ። ደቡብ ኮሪያ ብወገና 125 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ መዝጊባ ኣላ።

ካሳይ ምስ ምምፃእ እዋን ሙቐት ተኣሳሲሩ ዋዒ እንተወሲኹ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ክሃድእ እዩ ኢሎም ተስፋ ዝገበርሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ዘረጋግፅ መርትዖ የሎን ይብሉ።

ንሶም ብምውሳኽ እቲ ለበዳ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ እውን ምፍላጥ ኣይክኣልን ኢሎም። ‘’እዚ ኲናት እዚ ነዊሕ ዝጸንሕ ኲናት እዩ።"

ንውድብ ጥዕና ዓለም ዘማኽሩ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ማቲው ግሪፊዝ ብወገኖም ኣብ ድኻ ሃገራት እቲ ለበዳ ክጋፋሕ ዝለዓለ ተኽእሎ ስለዘለዎ ሻቐለቶም ገሊፆም።

ፈፃሚ ዳይረክተር ህፁፅ ፕሮግራም ውድብ ጥዕና ዓለም ማይክል ሪያን በቲ ለበዳ ብዝኸፍአ ናይ ዝተጎድኣ ሰበስልጣን ጣሊያንን ስፔይንን ሓዊሱ ኩነታት ኣብ ቀረባ ክሃድእ ተስፋ ኣለዎም ኢሎም።እንተኾነ መንግስታት ስጉምትታት እንተድኣ ዘይወሲዶም እቲ ቫይረስ ብባዕሉ ጠጠው ኣይብልን እዩ ኢሎም ።

ስፔን ትማሊ ሶኑይ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ኣሃዝ 849 ሞት መዝጊባ ኣላ።

ሪያን ሰራሕተኛታት ጥዕና ናይ መከላኸሊ ማስክ ሕፅረት የጋጥሞም ከምዘሎ ብምግላፅ ጥዕንኦም ውሑሳት ዝኾኑ ሰባት ማስክ ክሽፈኑ ከምዘይብሎም ውድብ ጥዕና ዓለም ይመክር ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሓደ ወርሒ ክናዋሕ ዘውፅእዎ መምርሒ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ንህይወት ሓደ ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ከድሕን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ እቶም ይወፁ ዘለው ስጉምትታት ብጥብቂ ዋላ ተፈፂሞም እውን በዝሒ ብኮቪድ19 ዝሞቱ ኣሜሪካዊያን ካብ 100,000 ክሳብ 200,000 ክበፅሕ ይኽእል እዩ ክብሉ የጠንቑ ኣለው።

ናይ ዋይት ሃውስ ግብረ ሓይሊ ኮሮናቫይረስ መዓልታዊ ኣብዝህቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ንሪፖርተራት ከምዝገለፁዎ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓደ ሚሊዮን ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም ኣሎ ኢሎም።

ኣሜሪካ ብበዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና ኣላ። ምትሓዞም ዝተፈልጡ ኣስታት 165,000 ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 3,100 በፂሖም ኣለው። ትማሊ ሶኑይ ጥራሕ ክብረ ወሰን ዝሰበረ 486 ተመዝጊቦም ኣለው።

ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ዘድሊ ሓጋዚ መተንፈሲ ማሽንቨንቲሌተር/ ሕፅረት ከምዘለዎምን ሆስፒታላት ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ከቢድ ፀገማት ከጋጥሞም ከምዝኽእልን የጠንቅቑ ኣለው።

ልዕሊ 900 ሰባት ናይ ዝሞቱዋ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ኣማሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ ኣብ ከባቢኦም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘይብሎም ዶክተራትን ነርስታትን ናብ ኒው ዮርክ ተጓዒዞም ክሕግዙ ፀዊዖም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ እንተወሓደ 10 ኩባኒያትታ ሓጋዚ መተንፈሲ/ቨንቲሌተር/ ኣብ ምስራሕ ይርከባ ኣለዋ ኢሎም።

ኣሜሪካ100 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ናውቲ መከላኸሊ ብኮቪድ-19 በከቢድ ናብ ዝተወቅቕዐት ጣሊያን ከም እትልእኽ ትራምፕ ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG