ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኾኒኖም


መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኾኒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00

መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኾኒኖም

ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ብሶሉስ ኣብሓደ ሆቴልን ቤት ጽሕፈትን ብዘጋጠመ ናይ ነታጉን ተኹሲን መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምሟቶም ፖሊስ’ታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ድሕሪ ምኹናን ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ገበነኛታት ክህደኑ ምኳኖም ገሊጾም።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም’ውን ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ኮኒኖንም ኣለው።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ኣብ ጎኒ ኬንያ ደው ከምዝብልን ኬንያ ግብረ ሽበራ ንምቅላስ ኣብ ተኻይዶ ጻዕርታት ደገፉ ከምዘበርኽት ሓቢሩ።

ምክትል ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኪዋሲ ኳርተርሊ “ ሕብረት ኣፍሪቃ በቲ ኣብ ልዕሊ ፈታው ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሓዚኑ’ዩ። ነቲ መጥቓዕቲ ድማ ብትሪ ይኹንን ። ኣብዛ ንሰርሓላ ዘለና ኣፍሪቃ ግብረ ሽበራ ቦታ የብሉን። እዚ ብምግጣሙ ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ዳግም ከየጋጥምን ምስቲ መጥቓዕቲ ዝተሓሓዝ ፍትሒ ንምምጻእ ደገፉን ምትሕብባሩን ክቕጽል’ዩ።”

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ብወገና ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ድሕሪ ምኹናን “ ነዚ መሰል ጉዳያት ብሰላማዊ መንገዲ ክተሓዙ ኣለዎም። ምስዚ ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ምስ ኢንተርፖል ብምትሕግጋዝ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከየጋጥም ይሰርሕ ኣሎ”ኢላ።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፎርማጆ ብወገኖም ሃገሮም ኣብ ኹናት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ጎኒ ኬንያ ደው ከምትብል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኤርትራ ብወገና ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብምኹናን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንናይ ኬንያ መዘንኦም ኣብ ዝለአኽዎ መልእኽቲ ንህዝብን መንግስቲ ኬንያን ናይ ምጽንናዕ ተመንዮም።ብተወሳኺ ሚንስትር ዑስማን መንግስቶም ኬንያ ግብረ ሽበራ ካብ ጎረቤት ሶማል ንምቅራፍ ኣብ ተካይዶ ጻዕሪ ከምዝተሓጋገዝ ገሊጾም።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና፡ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተረዛ መይ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ሮበርት ኮደክ’ውን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ኣብ ጎኒ ኬንያ ደው ከምዝብሉ ሓቢሮም።

ኣብ ሶማል ዝመደበሩ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ከምዝወስድ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ምግላጹ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG