ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽባሕ ኣብ አዲስ አበባ ክጅመር’ዩ


ፍሉይ አኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽባሕ ኣብ አዲስ አበባ ክጅመር’ዩ።

ኣብዚ ኣኼባ እቶም መራሕቲ ትኹረት ዝገብርሉ ዛዕባ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደን ትማሊ ዝተዛዘመ ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ’ቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክጽናዕ ዝጸንሓን ዝተሰማምዓሉን ኣብ ምምሕያሽ ሓሳባት’ዩ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ሸሞንተ ዝነበረ ቁጽሪ ኮሚሽነራት’ቲ ሕብረት ናብ ሽዱሽተ ክወርድ’ዩ።

አብ አዲስ አበባ ዝቅመጥ ኣቦ መንበር’ቲ ኮሚሽን’ውን ካብ ዝነበሮም ዝሓሸ ስልጣን ክህልዎምን ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ዝካየድ ዝነበረ አኼባ መራሕቲ’ውን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራይ ክኸውን ሓሳብ ምቕራቡ ካብ አዲስ አበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG