ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣ ሓባራዊ ኣኼባ ሰብ-ሞያ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ምትእምማን ዘኻዕብት'ዩ ክብል ገሊጹ


ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚተ ሰብ-ሞያ ኣብ ሽረ ነቲ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዓብይ ምትእምማን ዘራጉድ’ዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ትግባረ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ:መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንመስርሕ ሰላም ዓብይ ግደ ይጻወቱ ምህላዎም ገሊጹ።

እቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ:መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝሓዘ ኣኼባ ናይ ሓባር ኮሚተ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ፈኮስቲ ኣጽዋር ምፍታሕ ዘኽእል ናይ ትግባረ ውጥን ንምድላው ዝተጸውዓ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

ቀንዲ መራሒ'ቲ መስርሕ ሰላም ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ትግባረ'ቲ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምጅማሩ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ መግለጺ እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ኣኼባ ፎኮስቲ ኣጽዋር ናይ ምፍታሕ ሓፈሻዊ ናይ ትግባረ ውጥን ንምድላው ዝሓትት ናይ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ መግለጺ ናይሮቢ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ናይ ሽረ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚተ ዕጡቃት ትግራይ ዕጥቆም ኣብ ዝፈትሕሉን ናብ ካምፕ ዝኣትውሉን ዝርዝር ውጥን ክዘራረብ ከም ዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝገለፀሉ፡ ተዋጋእቲ ትግራይ ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ግንባራት ውግእ ክወፁ ከም ዝጀመሩ መሓውራት ዜና’ቲ ክልል ሓቢሮም’ለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ክወፁ ምጅማሮም ብዝምልከት ብወግዒ ዝገለፆ ነገር እንተዘይሃለወ’ዃ ንትግባረ’ቲ ስምምዕ ሰላም ብቖራፅነት ምስርሑ ከምዝቅፅል ደጋጊሙ ገሊፁ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም’ውን ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ኣካላት ነዚ ስምምዕ ሰላም ከም ዝደገፉን ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቅድሚ 2-3 ወርሒ ስምምዕ ሰላም ክግበር’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል ኔሩ ምባሎም ብምጥቃስ ንትግባረ’ቲ ስምምዕ ሰላም ዝወሃብ ዓለምለኸ ደገፍ ምውሳኹ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ’ዉን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንከይዲ’ቲ ሰላም ዓብይ ግደ ይጻወቱ ኣለው ክብል ንኢዱ።

XS
SM
MD
LG