ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መዓስከር ስደተኛታት ከተማ ፓሪስ ሓደጋ የንጸላለውን ከምዘሎ ይሕብራ


ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መዓስከር ስደተኛታት ከተማ ፓሪስ ሓደጋ የንጸላለውን ከምዘሎ ይሕብራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:54 0:00

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መዓስከር ስደተኛታት ከተማ ፓሪስ ሓደጋ የንጸላለውን ከምዘሎ ይሕብራ

ኣብ ፓሪስ ዝንቀሳቀሱ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኩነታት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት የንቆልቁል ምህላውን ሓደጋ ጸጥታን ጥዕና ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ኣለው።

ኣስታት 1,600 ዝኾኑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ፓሪስ ዝዓበየ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት መስሪቶም ኣለው፡ ብተወሳኺ 600 ዝኾኑ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ሴንት ማርቲን ዝተባህለ ከባቢ ቴንዳ ብምዝርጋሕ ሰፊሮም ይርከቡ።

ክልተ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ሓካይም ህሙማን ኣብ ዝርእይሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ክዳውንቲ ዝሓጽቡ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሃንደበት ክንቅጥቀጥንን ሃለዋቱ ከጥፍእ ከምዝተራእየ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ጋዜጠኛ AFP ሓቢሩ። እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ ቁሩብ ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ ናብ ሕክምና ክኸይድ ፍቓደኛ ኣይነበረን ስለዚ ድማ አባል ትካል ግብረ ሰናይ መዲሲን ደ ሞንድ ዝኾና ሉዊስ በርድ እቲ ውልቀሰብ ወልፊ ኣደንዛዚ ዕጽ ዘለዎ ኽከውን ከምዝኽእል ዝሕብር።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ይገድድ ከምዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ኣብቲ ቦታ ዘለው ስደተኛታት’ውን ይብእስ ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ወለንተኛታት ንዝተራእየ ናይ ምትንፍስ ጸገምን ናይ ቆርበት ሕማምን ንምፍታሕ ይጽዕሩ።

“ ናይ ጥዕናን ጸጥታን ኩነታት ኣብዚ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ አባላት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላትን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ውሑስ ኣይኮነን” ይብል ልዕሊ 30 ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ዝተፈረመ ናይ ይግባእ ወረቐት፡ ብተወሳኺ እቲ መዓስከር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝነጥፉ ሰባት ናብ ብሪጣንያ ከነሳግረኹም ብዝብል ናብዚ ቦታ ብብዝሒ ከምዝመጹ ይግለጽ።

ኣብቲ ቦታ ብዝሒ ግዳያት ወልፊ ዕጽ ከምዘሎን፡ተደጋጋሚ ግጭት ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታት ይረአ አሎ።

ኣመሓዳሪት ከተማ ፓሪስ አን ሂዳልጎ መንግስቲ ኢማኑ ኤል ማርኮ ነዞም ስደተኛታት መዕቆቢ ከዳለው ንዝሓተት ኦ ሕቶ መንግስቲ ሓገዙ ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ኣብ ምውጻእ ጥራይ ምኳኑ ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG