ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝተሳለጠ ተገሊጹ


ሽረ እንዳስላሰ
ሽረ እንዳስላሰ

ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸትመ ውዕል ሰላም፣ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ኣጽዋር ዝፈትሕሉ ኩነታት ብዝምልከት ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ሽረ ከምዝተሳለጠ ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ልዝብ፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወከሉ ይሳተፉ ከምዘለው፣ ሓባራዊ ኮሚቴ ቆይሙ ብቅልጡፍ ናብ ትግባረ ከምዝኣትውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ወከልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን፣ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተራኺቦም፣ ኣብ ልዕሊ ቴክኒካዊ ጉዳያት ከምዝዘራረቡ፣ ብወገን ህወሓት ተላዛቢ ዝኾኑ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።

ናይ’ቶም ኮሚቴ ሰብ-ሞያ ብመሰረት ዝሕንጽጾ መርሃ ግብሪ፣ ዕጥቂ ዝፈትሓሉ፣ ናብ መዓስከር ዝኣትውሉን ተኣሳሲሮም ዝላዓሉ ጉዳያት መልሲ ክረኽቡ እዮም። ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጉዳያት፣ ኣብቲ መስርሕ ምድንጉይ ከምዝነበረ፣ ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG