ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 290 ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ገማግም ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 290 ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ገማግም ከተማ ትሪፖሊ ዝሓለፈ ሰሙን ምድሓኖም ገሊጾም።

ምዕራባዊ ገማግም ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምዃኑ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲም 87 ስደተኛታት ካብ ገማግም ቃራቡሊ ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ተጻዒኖም ከምዝተረኽቡ ካልኦት 203 ድማ ኣብ ገማግም ዚታን ኣብ ክልተ ጀላቡ ከምዝተረኽቡ ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ናብ ኮማስን ጃንዙርን ዝተባህሉ ክልተ ከተማታት ዝርከቡ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ'ሎ።


ካብቶም ስደተኛታት ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG