ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ዲፕሎማትን ወታሃደራዊ መራሒ ኣመሪካ ኮሊን ፓወል ዓሪፎም


 ኮሊን ፓወል
ኮሊን ፓወል

ላዕለዋይ ዲፕሎማትን ወታሃደራዊ መራሒ ኣመሪካ ኮሊን ፓወል ኣብ መበል 84 ዕድሚኦም ዓሪፎም::

ፈላማይ ፀሊም ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካን ኣቦ መንበር ነበር ሓባራዊ ወታሃደራዊ ሓይሊን ጀነራል ኮሊን ፓወል ኮቪድ19 ብዝፈጠሮ ምትሕልላኽ ጥዕና ሎሚ ሶኑይ ዓሪፎም ኣለው።

ስድርኦም ብፌስቡክ ኣቢሎም "ዝድነቕ ብዓል ገዛ፣ወላዲ ኣቦ፣ኣቦ ሓጎን ዓብይ ኣመሪካዊን ስኢና ኣለና’’ ክብሉ ምዕራፎም ኣዊጆም ኣለው።

ፓወል ምሉእ ብምሉእ ናይቲ ቫይረስ ክታበት ወሲዶም ከምዝነበሩ ዝገለፁ ስድርኡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ካብ ዋሽንግተን ውፅእ ኢሉ ናይ ዝርከብ ሃገራዊ ማእኸል ሕክምና ዋልተር ሪድ ሰራሕተኛታት ኣመስጊኖም ኣለው።

ፓወል ኣብ ናይ መጀመሪያ ናይ ስልትትትን ዘመን ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ካብ 2001 ክሳብ 2005 ላዕለዋይ ዲፕሎማት ብምዃን ኣገልጊሎም።

ብዓል ኣርባዕተ ከኾብ ጀነራል ፓወል ቅድም ክብል ን35 ዓመታት ወታሃደር ኮይኖም ዘገልገሉ ኮይኖም: ካብ 1989 ክሳብ 1993 ኣቦ ወንበር ሓባራዊ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብምዃን ንቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) መሪሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG