ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሃገራ ንክምስርቶ ዝመደበ ማእከል ስደተኛታት ትነጽግ


ሊብያ ሕብረት ኣውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሃገራ ማእከል ስደተኛታት ንምህናጽ ዝሓንጸጾ መደብ ነጺጋ።

ቀ/ሚ ፈይዝ ኣልሲራጅ ሊብያ ብፋይናንሳዊ ድፍኢት ነቲ መደብ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።ኢጣልያ ዝሓለፈ ወርሒ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ስደተኛታት ዝዕቆብሉን ዝልለዩን ማእከል ኣብ ሊብያ ንምህናጽ መደብ ምቕራባ ይፍለጥ።

ቀ/ሚ ሲራጅ ምስ ናይ ጀርመን ጋዜጣ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኣውሮጳ ከጋጥም ዘይደለይዎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከጋጥም ኣይንደልይን" ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ዝተዋፈሩ አባላት ግብረ ሰናይ ትካላት ተኹሶም ንዝብል ክሲ መልሲ ንምሃብ ፍቃደኛ ከምዘይኾኑ ሓቢሮም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ክሳብ ሓምለ 51,782 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ምብጽሖም ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG