ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ


ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:53 0:00

ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ

ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሕብረተሰብ ኣኪቡ ኣብ ቀረባ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልኦት ኩለን ክልልታት ተዘዋዊሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ከም ዝተመያየጠን፡ ከምኡ ድማ፡ናብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምኻድ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ክዘራረብ ከም ዝጸንሐን ኣብ ቀረባ ክኸይድ ምዃኑን ግልጺ ጌሩ`ሎ።

እቲ ምምይጥ ንኹሉ ዝሓቁፍ እንተኾነ`ኳ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ኣካላት ግን ምስ ዕጥቆም ኣካል`ቲ ምኽክር ክኾኑ ከምዘይክእሉ ተጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካን ናይ ስነ-ሓሳብን መራሕትን ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዉ ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ብምምኽኻር ናይ ምፍታሕ መስርሕ ንክመርሕ ዝቖመ ኮሚሽን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምምይያጥ ተግባር ንምጅማር ዘኽእልዎ ምድላዋት ኣብ ምዝዛም ከም ዝርከብ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብዚ ዓመተ 2015 ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ተባሂሎም ብመንግስቲ ካብ ዝተተለሙ መደባት ሓደ፡ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ምድላው ምዃኑ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሳህለ ወርቅ ዘውደ ኣብ መኽፈቲ ክልቲኡ ባይቶታት ምግላጸን ይዝከር።

ነቲ ተግባር ዝመርሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ኣጀንዳታት ኣተኣኻኺቡ ምምይጥ ከም ዘጀምር ኣፍሊጡ`ሎ።

ፕሮፈሰር መስፍን ኣርኣያ ዋና፡ ኣተሓባባሪ`ቲ ኮሚሽን`ዮም፡“ቅድመ፡ ምድላዋት ክንዛዝም ስለዝነበረና፡ ሎሚ ምድላዋትና ኣብ ምዝዛም ንርከብ ኣለና። እቲ ምድላዋት ተጻፊፉ ተወዲኡ`ዩ ክንብል ንኽእል ግን ካብ ህዝብና ኣጀንዳ ኣምጺእና መልክዕ ክነትሕዞ ምስ እንጅምር`ዩ። ድሕሪኡ ናብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣጻፊፍና ሃገራዊ ቅርጺ ክሳብ ነትሕዞ ክሳብ ፍርቂ`ዚ ዓመት ክወስደና ይኽእል`ዩ። ስለዚ ኣብ ምውዳእ`ዚ ዓመት ነቲ ምይይጥ ክንጅምሮ ኢና።"

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ መምህር ሰላምን ጸጥታን ዝኾኑ ኣባል`ቲ ኮሚሽን ዶ/ር ዮናስ ኣዳየ፡ ኣጃንዳታት ካብቲ ሕብረተሰበ ተኣኻኺቡ እቲ ምምይጥ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝጅመር ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም፡፡

“ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ካብ ዘሎ ማሕበረሰብ ማለት ካብ ቀበሌ፡ ወረዳ፡ ዞን፡ ተጻርዮም ዝወጹ ኣጀንዳታት`ዮም ናብ ላዕሊ ዝመጹ። ኣብ ፍርቂ `ዚ ዓመት ቀዳማይ ዙርያ ተጻርዮም ዝመጹ ኣጀንዳታት በሃገርለኸ ደረጃ ክንመያይጠሎምን ክንዛረበሎምን ኢና ኢልና ተሊምና ኣለና። ክሳብ መጋቢት ሚያዝያ፡ካብ ታሕቲ ጀሚርና ነቶም ቀንዲ ነጥብታት ክንመያየጠሎም ክንጅምር ኢና ኢልና ንሓስብ።"

ሽሕ`ኳ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ወገን ዝሓቖፈ ክኸውን እቲ ኣዋጅ ዝገልጽ እንተኾነ፡ ዝዓጠቑ ኣካላት ግን ዕጥቆም ከይፈትሑ ኣካል`ቲ ምኽክር ክኾኑ ከምዘይክእሉ ፕሮፈሰር መስፍን ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፡

“ሓቛፍን ኣሳታፍን ዝኾነ መስርሕ ተኸቲሉ፡ ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ከሳትፍ`ዩ። ዕጡቓት ብዝምልከት ግን ናይ ምይይጥ ጽንሰ-ሃሳብ እንተርኢና ክልተ ተመያየጥቲ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክመጹ ከለዉ ተዓጢቖም ኣይኮኑን ዝመጹ። ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክመጹ ከለዉ መጀመርያ ኣብ ኣእምርኦም ዝመጾም ሰላም`ዩ። ብሰላም ጸገምና ክንፈትሕ ንኽእል ኢና ኢሎም`ዮም ዝመጹ። ሓደ ካላሽኑ ኣብ ጎኑ ኣቐሚጡ እቲ ሓደ ብሬኑ ኣብ ጎኑ ጌሩ ኣይኮነን ዝዛተዩ። ክልቲኦም ብረቶም ገዲፎም "ናትና ምምይጥ ብዘይ ብረት ጸገምና ክፈትሓልና ይኽእል`ዩ" ኢሎም እዮም ዝመጹ። ስለዚ ኣብ ምይይጥ ንምእታው ዕጥቂ ክፍታሕ ኣለዎ።”

ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘለዎ ከባብታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ድኣ ብኸመይ ኣብቲ ምይይጥ ክሳተፉ ይኽእሉ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን`ዩ።

ዶ/ር ዮናስ ኣዳየ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።“ዕጥቂ የውርዱ ክብሃል ከሎ`ኮ እቶም ኣብ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ`ምበር እቲ ማሕበረሰብ ማለት ኣይኮነን።እቲ ማሕበረሰብ ብሽማግለታት ኣቢሉ ውክልኡ ከቕርብ ይኽእል`ዩ። ንኣብነት ንኣባገዳታት ክንሓቶም ከለና ንሕና ኣገባብ ኣለና ሜላታት ኣለና ኣጀንዳኦም ክነሳትፎ ንኽእል ኢና እዮም ዝብሉና። ከምኡ`ውን ብኣብያተ ክርስትያትን ካልእን ኣቢልካ ዝግበር ሰፊሕ መንገድታት ኣሎ።”

ባህላዊ መንገድታትን ካልኦት ናይ ምይይጥ ኣማራጽታትን ብምጥቃም ዕጡቓት ሓይልታት`ውን እንተኾኑ ናብ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝመጹ ንምግባር እቲ ኮሚሽን ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣባላት`ታ ኮሚሽን ዛጊት ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልእ ኩለን ከባብታትን ከተማታትን ተዘዋዊሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ምኽክር ብምትሕብባር ክሰርሕሉ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ምዝርራቦም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኔሩ።

ኣብ ቀረባ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ናብ ክልል ትግራይ`ውን ንምጉዓዝ ይዳለዉ ከምዘለዉ ዝገለጹ ዶ/ር ዮናስ፡ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ምስ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎ ኣባሳንጆ ይዘራረቡ ከምዘለዉ`ውን ገሊጾም።

“ንምኻድ ድልየትን ምድላዋትን ኣሎ። ግን በዚ መዓልቲ ክንከይድ ኢና ክንብል ኣይንኽእል ኢና። እቲ ንርእዮ ዘለና ምዕባለታት ግን ተስፋ ዝህብ`ዩ። ንኣብነት ብፍላይ ድምጺ ኣመሪካ ብወኪልኩም ሙሉጌታ ኣጽብሃ ዘቕረብክምዎ ግሩም ዝኾነ ዜና ይሰምዕ ኔረ። ስለዚ ኣብ ብዙሕ ሕብረተሰብ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታት ክመጹ ንርኢ ኣለና። ካብ ኣባሳንጆ ዝሰማዕናዮ ነገር`ውን ኣሎ።”

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ውድባት ፖለቲካን ተቐራሪቡ ኣብ ምስራሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ`ዩ። ይኹን`ምበር ኣባላት`ቲ ኮሚሽን ገለልተኛ ከምዘይኮኑን እቲ ኮሚሽን ዝቖመሉ ዕላማ ንምዕዋት ከምዘይክእሉን ብምጥቃስ ብመንጽር ሃገራዊ ምርድዳእ ውጽኢት ከምጽኡ ኣይክእሉን እዮም ኢሎም ዝነቕፍዎም ውዱባት ፖለቲካን ውልቀሰባትን ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ባይቶ ነዚ ነቔፈታ`ዚ ምላሽ ዝሃበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ።

“ኩላትና በብዓቕምና ድጋፍ እንተገይርና ጥራይ`ዩ እዚ ሃገራዊ ምኽክር ክዕወት ዝኽእል። ኣባና ዘሎ ጸገም እቲ ነገር ገና ከይጀመረ ኣብ ናእሽቱ ነገራት ምትኳርና`ዩ። እዚ ከምዚ ኮይኑ ቅድሚ ምባልና ከምኡ ከይከውን ኣቐዲምና ምሕጋዝና ክነረጋግጽ ይግባእ።"

እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ምስ ዝቃወምዎ ሰልፍታት ፖለቲካ `ውን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ሃናጺ ልዝብ የካይድ ምህላዉ ኣብቲ ናይዚ ሰሙን`ዚ መግለጺኡ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG