ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ክልል ትግራይ ነበር ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ናብ ፍትሒ ንክቐርቡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም


ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝርከቦም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ናብ ፍትሒ ንክቐርቡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ: ዶ/ር ረዳኢ በርሀ: ዶ/ር ሙሉገታ ይርጋ፡ ኣቶ ዑቕባይ በርሀ፡ ኣቶ ጌታቸው ተፈሪን ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስን ምዃኖም`ውን ኢዜኣ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

ኣቶ ስብሓት ነጋን ሓፍቶም ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን ዝርከብዎም ካልኦት ሓያለ`ውን ዝሓለፈ መዓልታት ምእታዎም ይዝከር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG