ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንጉዳይ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ንሰነተር ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኹ'ዮም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ንጉዳይ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ናብ አዲስ አበባ ዝላኣኹ ኣሜሪካዊ ሴነተር ክሪስ ኩንስ፣ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝዘራረቡ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ "ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ከምኡውን እቲ ቅልውላው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ሓደጋን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም" እቶም ሰኔተር ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ክገልጹሎም እዮም ይብል።

መግለጺ ዋይት ሃውስ ሴነተር ክሪስ ኩንስ እግረ መገዶም ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓ ሰላምን ምዕባለን ክዝትዩ እዮም ይብል ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG