ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰያት ትግራይ፥ ንሰነ-ሓሳብን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ነቲ ካልእ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምርዳእ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል


ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰያት ትግራይ፥ ኣብ ግዜ ህወሓት ብዝነበረ ዘይምዕሩይ ናይ ፈደራሊዝም ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈጥረ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ሓቀኛ ሰነ-ሓሳብን ክብርን ፥ ነቲ ካልእ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምርዳእ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል።

ኣብ ክልል ትግራይ ብህዝባዊ እምቢተኝነት ቃልሲ ከካይድ`የ ዝብል ፈንቅል ትግራይ፥ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ተጋሩ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ከም ዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ ይብል።

ምስ ኣቦ-መንበር ፈንቅል መምህር የማነ ንጉሰን ምኽትሉ ሚኪ ተስፋይን ዝተኻየደ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG