ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቡክ: ጎነጽ ዘስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታታት ከይዝርግሑ ከምዝኽልክል ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ጎነጽ ከስዕብ ዝኽእል ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታት ከይተሓለለፉ ከምዝክልክል ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ ገለ ግጉይ ሓበሬታት ጉድኣት ክበጽሕ ኣበርኽቶ ጌሮም’ዮም" ክብል ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ምስ ናይ ውሽጢ ሃገራት ትካላት ብምትሕብባር ጎነጽ ከስዕቡ ዝኽእል ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታ ኾነ ምስሊ ብማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ከይተሓላለፍ ከምዝክልክል ሓቢሩ’ሎ።

ፌስቡክ ኣብ ስሪላንካ፡ማይነማርን ህንዲን ኣብ ቀረባ ንዘጋጠሙ ጎነጻት ብፌስቡክ ዝተዘግሑ ናይ ጽልኢ ዘረባን ግጉይ ሓበሬታት ኣበርኽቶ ጌሮም’ዮም ዝብል ክሲ ክቐርበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ስሪላክና ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና’ታ ሃገር ብሰንኪ ብፌስቡክ ዝተዘርግሓ ግጉይ ሓበሬታ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጃ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG