ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ጉዳይና ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንሰምዖ ካብ ኢትዮጵያ ምስማዕና ምድግጋሙ ኣይተበረሃናን` ዝብሉ ኤርትራውያን ይበራኸቱ`ለዉ


ኣብ ኤርትራ፡ ብመንጽር ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሰላም- ናይ ለውጢ ኣንፈት ኣሎ`ዶ ንዝብል ድሕሪ ውዕል-ሰላምን ንቡር ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እንታይ ይግበር ኣሎ ዝብል እኹል ሓበረታ ንረክብ የለናን፡ ብዝብል፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ብፍላይ ግን ኤርትራውያን ምሕታቶም ኣሐይሎም ኣለዉ።

ካልኦት ድማ፡ ካብ`ቲ ኣብ ኣስመራን ሪያድን ዝተፈረመ በዓል ሓሙሽተን ለሸውዓተን ነጥብታት ዝነጥር ሓበሬታ ክህሉ ኣይክእል`ዩ ይብሉ።

በቲ ሓደ ኸኣ፡ ጉዳይና ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክንሰምዖ፡ ብፍላይ`ውን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ኮይኑ ይዛረብ እንተሃልዩ ታክቲካዊ ኣካይዳ ኣይኮነን፡ ብስለት ፖለቲካ ዝጎድሎ ኣካይዳ`ዩ ይብሉ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል፡ ኤርትራ ኣብ ንቡር ኩነታት ኣይጸንሐትን ዝብሃል እንተኾይኑ፡ ሎሚ እንታይ ዘይንቡር ኩነታት ስለ-ዘስግኣ`ያ ብዛዕባ ዘቤታዊ ምሕደራኣ ክትገብር ዘይከኣለት ዝብል ሕቶ ተላዒሉ`ሎ። ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ካብ ዝፍረምን ናብ ንቡር ምሕዝነት ካብ ዝምለስን ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ እናሃለወ፡ ስለምንታይ ገለ ናይ ለውጢ ተስፋ ዘይስማዕ ዝብል ሕቶ`ውን ስዒቡ`ሎ።

ኣብ ዙርያ`ዚ ዛዕባ ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ዓዲምና`ለና ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG