ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅቡቲ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ከምትቕበሎ ገሊጻ


ጅቡቲ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ከምትቕበሎ ገሊጻ።

ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ዱለህ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣጽዋር፡ናይ መገሻ እገዳን ናብ ንብረት ዘይምንቅስቃስን ምልዓሉ ከምትቕበሎ ብምግላጽ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ዶብን ግዝኣትን ኣፈላላይ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሌታ ምዃኑ ሓቢሮም።

ጅቡቲ ክሳብ ንክልቲኡ ወገናት ዝሰማምዕሉ ፍታሕ ዝርከብ ምስ ኤርትራ ዝጀመረቶ ዘተ ንምቕጻል ዘለዋ ሰናይ ድሌት ብምግላጽ ጅቡቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ዓለምለኸ ዶብ፡ ልኡኣላዊነት ደሴት ዱመራ፡ ማያዊ ዶብን ኩነታት እሱራት ኹናት ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክሳብ ዝበጽሑ ንምስራሕ በዚ አጋጣሚ ቃል ትኣትው ኢሎም ኣለው።

ኣብ ጉዳይ እሱራት ኹናት ጅቡቲ 13 ምሩኻት ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ከምዝርኸቡ ብምግላጽ ብቅልጡፍ ክፍትሑ ወይ ድማ ኤርትራ ሃለዋቶም ከተፍልጥ ምስ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣስሚሩሉ’ሎ።

መንግስቲ ጅቡቲ ንኩነታት ኤርትራዊያን ምሩኻት ኹናት ኽከታተል ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ምሃቡ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG