ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ምሉእ ንምሉእ ምዕጻው ኣዊጁ


ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ

ኣብ ዙርያ ዓለም ቁጽሪ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብ 10 ሺሕ ሓሊፎም። ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተተንከፉ ድማ ናብ 250 ሽሕ ተጸጊዑ’ሎ።

ትማሊ ኣመሓዳሪ ክፍለ- ግዝኣት ካሊፎርንያ ጋቪን ነውሶም ከም ኣካል ኩናት ጸረ'ቲ ሕማም እቶም ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ዝነብሩ 40 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጹ ኣዚዙ ።.


እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኣብታ ግዝኣት ዝሞቱ ከባቢ 20 ድሕሪ ምብጽሖምን ከባቢ ሺሕ ድሕሪ ምትሓዞምን'ዩ።

ነውሶም፡ምስቲ ሕማም ብዝትሓሓዝ ንሕክምናዊ መሳርሕታት ዝኸውን ንኮንግረስ 1 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ'ሎ-።

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ፕረዚደንት ትራምፕ ሆስፒታል ዝዓጠቐት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ወሰን ባሕሪ ሎስ ኣንጀለስ ክሰደሉ'ውን ሓቲቱ'ሎ- ።.

ብኻልእ ወገን ኣብ ኢጣልያ ቑጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ንቻይና ሓሊፋታ።ዛጊት 3,405 ሞት ኮሮናቫይረስ መዝጊባ'- ናይ ቻይና 3,248 እዮም ።.


እታ ኮሮና ቫይረስ ዝመንጨወላ ውሃን ትብሃል ከተማ ቻይና፡ ትማሊ ንመጀመርታ ግዜ ሓዲሽ ዝሓመመ ከይርኣየት ውዒላ'ላ።

ዉሃን ኢጣልያን ኩሉ ሰበን ካብ ገዛ ከይወጽእ እንተኣዘዛ'ኳ ንኢጣልያ ዝያዳ ዝሃሰያ ምኽንያት ብዙሓት ነቲ ሕማም ክጻወሩ ዘይክእሉ ዓበይቲ ልዕሊ 65 ዓመት ስለዘለውዋ'ዩ ይብሃል።

ከም ጸብጻባት ዜና ትማሊ ኣብ ምልእቲ ቻይና ሓደሽቲ ዝተመዝገቡ 34 ጥራይ እዮም-ንሳቶም'ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሰገሩ' ዮም ።

ደቡብ ኮርያ ሽሕ'ኳ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ኣዝሕል ኣቢላቶ እንተቐነየትትማሊ 152 ሓደሽቲ መዝጊባ'ላ- ።


ካልእ ብኸቢድ ተሃሪማ ዘላ ሃገር ጀርመን ትማሊ ጥራሕ ዝመዝገበቶም ናብ 2,800 ዘሊሎም። ኮሮናቫይረስ ኣብ ጀርመን ከም ምርሕሓቕ ዝበለ ጥንቃቐ እንተዘይተወሲዱክሳብ 10 ሚልዮን ክትንክፍ ይኽእል'ዩ ይብሉ ሰበስልጣን።

ስጳኛ፡ ኩሉ ሆቴላት ዓጽያቶ፡ ንሓደ በዓል 4 ኮኸብ ሆቴል'ውን ናብ ግዚያዊ ሆስፒታል ቀይራቶ።

ኣብ ፈረንሳ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ተመዲቡ ዝነበረ ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ፈስቲቫል ፡ካብ ግንቦት ናብ ሓምለ ኣሰጋጊራቶ'ላ።

ኣብ ሞናኮ፡ ልዑል ኣልበርት፡ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ መራሒ ሃገር ኮይኑ'ሎ።
ኒው ዝላንድን ኣውስትራልያን ገማግም ባሕረን ንኹሎም ወጻእተኛታት ቱሪስት ዓጽየንኦ ኣለዋ ።

ሜክሲኮ ድማ ትማሊ ፈላማይ ትሑዝ መዝጊባ።

ክልተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ሪፓብሊካን ማሪዮ ዲያዝ ባላርትን ደሞክራት በን ኣዳምስን፥ ኮሮናቫይረስ ፖስቲቭ ዝኾኑ ቀዳሞት ኣባልት ኮንግረስ ኮይኖም ኣለዉ- ምስ ሰብ ከይራኸቡ ነብሶም ኣግሊሎም ኣለዉ።

ኣብ ስያትል ተኣሲሮም ዘለዉ ት ሸዓተ ዘይሕጋውያን ስደተኛት ኣብ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ስለዘለዉ ይለቐቑ ኽብል ማሕበራት ሲቪላዊ ናጽነት ኣመሪካ ዘቕረብኦ ጥርዓን፣ ኣብ ሓደጋ ምህላዎም መርትዖ የብልኩምን ብዝብል ዳኛ ስያትል ነጺግዎ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG