ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ'ሎ ይብሉ: መንግስቲ ግን መግለጺታቶም ካብ ባይቶ ዘሎ ዝረሓቐ'ዩ ይብል


ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 181 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ተገሊጹ። ጥምየት ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ኣንጸልዩ ኣሎ ዝብል መግለጺታት ማሕበረ ሰብ ዓለም ግብረ መልሲ ዝሃቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቅ ኣይኮነን ይብሉ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ‘ኣብ ትግራይ 4 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥምየት ኣንጸላልዪዎም ኣሎ፣ ኣስታት 300 ሽሕ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጥምየት ወዲቆም ኣለው፣ ኩነታት ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ንምፍላጥ ዘሕግዝ ሓበሬታ ምርካብ ከምዘይተኻኣለ’ውን ጠቂሱ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ግና ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ይወጹ ዘለው ሓበሬታታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣየንጸባርቁን ይብሉ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነዚ ናይ መንግስቶም መግለጺ ኣንጸባሪቆም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::





ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG