ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ናብ ክሊንተንን ኦባማን ዝተለአኹ ክልተ አጠራጣሪ ጥቕላላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ሓቢሩ


ክፍሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ናብ ክሊንተንን ኦባማን ዝተለአኹ ክልተ አጠራጣሪ ጥቕላላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ሓቢሩ

ክፍሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ናይ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን አድራሻ ዘለዎ “ነታጊ ክከውን ይክእል’ዩ” ንዝበልዎ ክልተ ጥቕላል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ህንጻ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኣብ መቐመጢ ፖስታ ብዝተረኽበ ካልእ ኣጠራጣሪ ጥቕላል፡ አብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ንሰዓታት ነቲ ህንጻ ለቒቖም ክወጹ ምግዳዶም ተገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲኤንኤን እቲ ኣብ ህንጻ እቲ መደበር ቴሌቭዥን ዝተረኽበ ጥቕላል ናብ ዳይሬክተር ማእከል ስለላ ኣሜሪካ (CIA) ነበር ጆን ብረን ዝተላእኸ ምዃኑን እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ መደበር ቴሌቭዥን ከምዘይሰርሕ ን MSNBC ናይ ዝተባህለ መደበር ቴሌቭዥን ተሳታፊን ዕዙዝ ኣበርኽቶ ዘለዎም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ምክልት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ነቲ ተግባር ብትሪ ድሕሪ ምኹናን “በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ኦባማን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ክሊንተንን ህንጻ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዝተፈተኑ መጥቓዕቲታት ብምኹናን ከምዚ ዓይነት ናይ ሰነፋት ተግባር ኣብዚ ሃገር ቦታ የብሎምን። ፈጸምቱ ድማ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ’ዮም” ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ጽሒፎም።

XS
SM
MD
LG