ናይሮቢ —
ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ጣልቃ ትኣትው ኣላ ክትብል ሶማል ንዝቐረበቶም ክሲ ነፂጋቶ።ናይ ሶማል ማእኸላይ መንግስቲ ክስታት ጣልቃ ምእታው ናይሮቢ ብምቕራብ ንኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ሞቓድሾ ፀዊዑ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ግን ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኬንያ ንመሰል ርእሰ ውሳነ፣ልኡላዊነት፣ናጽነት ፖለቲካን ግዝኣታዊ ሓድነትን የኽብር ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው መሰረታዊ ዓለምለኻዊ መትከላት የኽብር እዩ ይብል።
ርእይቶታት ንምርኣይ
ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መእተዊ መዝገብ ኣሎዶ ? መእተዊ መዝገብ
ምዝጉብ ተጠቃሚ ኣይኮንኩምን ? ተመዝገብ/ቢ
ተወሳኺ ርእይቶ ንምጽዓን