ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ-‘ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ጽቡቝ`ኳ እንተኾነ ግእዝ ገዲፍካ ብላቲን ምጥቃም ግን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ሃስያ የስዕብ ኣሎ’ ኣጋይሽ ድምጺ ኣሜሪካ-(2ይ ክፋል)


ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ንድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺብቋንቋ ኣደ ምምሃር ኣብ መዳይ ትምህርትን ማሕበረቁጠባውን ባህልን ናይሕብረተሰብ ድረብ ረብሓ ኣለዎኢሉ ኔሩ።

ኣብ`ተን ውሑድ ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት ዝረኣዩ ሕጽረት መወከሲ መጽሓፍትን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጋጥሞም ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ንምፍታሕ ፡ ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ፍሉይ ምትብባዓትን ከምዝግበረሎም ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ተዛሪቡ ኔሩ።

ምስ`ዚ ዘይሰማምዑ ሰለስተ ተወልድቲ ብሄረ-ብሌን ግን ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ ነቲዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥቀመሉን፡ ኣብ ኣብያተጽሕፈት መንግስቲ ዝሰርሕን ትግርኛ ገዲፍካ ኣብ ክንዲ ብግእዝ ብላቲን ምስትምሃር፡ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ የግልሎን፡

ካብ ዕድላት ስራሕ የርሕቖን ኣሎ ብምባል ተመሃሮ ብግእዝ ክመሃሩን ንቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ክመልኩን ይደልዩዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG